ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ቻይና ኣብ ኣውሮጳ ምብጻሕ የካይዱ


ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ንመራሒ ቻይና ሺን ጂንግፒንግ ሎሚ ሰኑይ ተቐቢሎም፡ ኣዘራሪቦም። ማክሮን መራሒ ቻይና ኣብ ልዕሊ ወራር ዩክሬን ከምኡ እውን ሚዛኑ ኣብ ዘይሓለወ ዓለምለኻዊ ንግዲ መርገፂኦም ንክቕይሩ ከእምኑዎም ድልየት ኣለዎም።

ፕረዚደንት ሺ ኣብ ኣውሮጳ ድሕሪ 2019 ንፈለማ ኣብ ዘካየድዎ ምብጻሕ ኣብ ሰርቢያን ሃንጋሪን እውን ክበፅሑ እዮም። ተንተንቲ ኣብ ፖሊሲ ቻይና ዓብዩ ለውጢ ክህልው ትፅቢት እንተዘይሃለዎም እውን ፕረዚደንት ሺ ንዩክሬን ሰላማዊ ፍታሕ ከምዝደልዩ ገሊፆም ኣለው።

ፕረዚደንት ሺ ካብ ቐንዲ ሓይልታት ኣውሮጳ ናብ ፈረንሳ ክበፅሑ ምምራፆም ዝሕብሮ ኣብ ኲናት ዩክሬን ፕረዝደደንት ማክሮን ከም ኣላይ ሕብረት ኣውሮጳ ስለዘርኣዩዎም እዩ።

ማክሮንን ሺን ሎሚ ሰኑይ ኣብ ፓሪስ ሓደ መዓልቲ ዝወስድ ልዝብ ከካይዱ እዮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG