ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉ/ወጻኢ ኢትዮጵያ ንጻውዒት ኣምባ. ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ይነጽግ


ኢትዮጵያ ነቲ ብኣምባሳደር ኣመሪካ ዝቐረበ ዝሓሸ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ዝጽውዕ መልእኽቲ "ዘይተዓደመ ምኽሪን ነገራት ኣብ ግምት ዘየእተወን" ክትብል ተቓዊማቶ።

ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋ ለንቅነ ንሓደ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ታሪኻዊ ቦታ ኣብ ዝበጸሓሉ እዋን ሃውራዊ ቕትለት፡ በዘፈቀደ ማእሰርቲ፡ ጾታዊ ዓመጽን ካልኦት ግህሰታትን ንምክልኻል ናጻን ክፉትን ዝኾነ ፍትሓዊ መስርሕ ክህሉ ኣለዎ ኢሉ።

"ንኢትዮጵያ ናይ ምምሕዳር ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት፡ እዚ ኣብዚ ዘሎ መንግስቲ፡ ካብ ኣብ ኲናት ብሰላም ዝያዳ ምተረብሐ" ኢሉ።

እቲ ኣምባሳደር ወሲኹ ንመንግስቲ ንዝነቕፉ ምእሳርን ምክልባትን ጸገማት ኣይክፈትሑን `ዮም ኢሉ። ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ኣምባሳደር ኣመሪካ ዘሕለፎ መልእኽቲ ዘይተዓደመን ብስለት ዝጎደሎን`ዩ ክብል ተቓውሞኡ ኣስሚዑ`ሎ።

ከም ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ ፋኖ ከምኡ`ውን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝበሉ`ውን ጠለባቶም ብሰላም ክገብርዎ ጸዊዑ`ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG